ትምህርቲ ሕብረተ፡ሰብ (SO)

ትምህርቲ ሕብረተ፡ሰብ (SO) ንሓድሽ መጻኢ ዝኸውን ትምህርቲ`ዩ። እቲ ስልጠና ብቋንቋ ኣዴኻ ኮይኑ፡ ብጠቕላላ ካኣ 60 ሰዓታት`ዩ፡ ሕብረተ፡ሰብ ሽወደን ከመይ ከም ዝሰርሕ ካኣ ኣፍልጦ ይህብ።

ድሕሪ ኣብቲ ምምሕዳር ከም ተቐማጢ ምምዝጋብካ ብዝተኻእለ መጠን ቀልጢፍካ ትምህርቲ ሕብረተ፡ሰብ ትጅምር። ድሕሪ ሰልስተ ዓመት ከም ነባሪ ምምዝጋብካ ኣብ ሽወደን ካኣ ግዴታ ናይ ኮሙን ምድላው ትምህርቲ ሕብረተ፡ሰብ ናዓኻ የብቅዕ።

እቲ ዕድል ናይ ስልጠና ሓንሳብ ጥራይ ከም ዝኾነን ብዘይ ዝኾነ መኽንያት ምስ ተቡክር ክፍሊት መደብ ምትካል እግሪ ከምዘይዋሃበካን ፍለጥ። ንስኻ ወይ ውላድካ እንድሕር ሓሚሙ ነቲ ኣካያዲ SO ክትዛራረቦ ኣለካ፡ እንተ ዘየለ ናይተን ዘብኮርካለን መዓልታት ክፍሊት ኣይወሃበካን`ዩ።.

ኣብ ሉንድ ዘሎ ቤት ጽሕፈት መራኸቢ ስራሕ`ዩ ናብ ትምህርቲ ሕብረተ-ሰብ ከተመልክት ዝሕግዘካ።

ዝኾነ ሕቶ ኣለካ፧ ምስ ማርያ ላርሾን ክኢላ ማሕበራዊ ነገራት ኣብ ሉማ ኮሙን ተዘራረብ። ናብ ማእከል ርክባት ደውል ሽዑ ምስኣ ከራኽቡኻ ዮም።

ቴሌፎን፡ 040-641 10 00

  • Ingen giltig användare vald.

Sidansvarig: Lucia Prieto De La Fuente

Senast uppdaterad: