ሕደሽቲ መጻእተኛታት ኣብ ሉማ ኮሙን

ናብ ሉማ ኮሙን እንቋዕ ብድሓን መጻእኩም! ከም ሓዲሽ መጻኢ መጠን ኣብ ኮሙንን ከምውኡን ኣብ ሽወደን ብዘተፈላለየ ኣገባብ ክንሓግዘካ ኢና። ንኣብነት ሓገዝ ብዛዕባ መንበሪ ገዛን ተቖጻጻሪ መደብ መትከሊ አግሪን፣ ኣስተምህሮ ቋንቋ ሽወደን፣ ኣብ ዝተፈላለያ ምድባት ተሳፍካ ብዝያዳ ኣስተምህሮ ብዝባዕባ ሕብረተ ሰብ ሽወደን ንምርካብ ከምኡውን ሓገዝ ኣመዳድባ ቁልዑትካ ኣብ ትምህርቲ ንምምዝጋብ ትርክብ።

ብዛዕባ ኮሙን

ሎማ ኮሙን ኣብ ምዕራባዊ ክፋል ስኮነ ተረኺቡ ካልእ ነገር ገዲፍካ በቲ ሰሓቢ ገምገም ባሕሪ ምርካቡ እዩ ዝፍለጥ፣ ጽቡቕ ኣባይት ትምህርቲ ከምኡውን ሃብታም ባህርያዊ ህይወት ኣሎዎ። ዝዓበያ ናይ ኮሙን ከባቢታት ሉማ፣ ብያሬድን ፍላድዬ ኢየን።

ዋኒነ-ትካልን ኢንዱስትሪን ንግድን

ኣብ መፈለምታ ናይ 2017 ተቐማጥቲ ሎማ ኮሙን ኣስታት 24 000 ኔሮም። ኣብ ከባቢ ካልኡት ብዙሓት ኮሙናት ድማ ኣሎዉ - እታ ዝዓበየት ከተማ ማልሞ እያ ግን ከምኡ'ውን ኮሙን ምስ ቡርሎቭ፣ ስታፋንስቶርፕ፣ ሉንድን ሻቭሊንጘ ውን ይዳወር እዩ።

ኣብ ኮሙን ዝዓበየ ኣስራሒ ሎማ ኮሙን እዩ፣ ኣስታት 1400 ሰራሕተኛታት ኣለዎ።ናይ ሽወደን ዩኒቨርሲቲ ሕርሻ ኣብ ኣልናርፕ ትርከብ፣ ከምኡ'ውን ትካላት ከም ኩኩ፣ ኖላቶን መደቮን ከም ዓቢ ዋሃቢ ስራሕ እየን ዝቁጸራ። ኣብዚ እንኮላይ ብዙሓት ዝነኣሳ ትካላት ኣለወን። መብዛሕቲኡም ነበርቲ ካብ ኮሙን ውጽኡም አዩም ዝሰርሑ፣ ንኣብነት‏ ኣብ ማልሞን ሉንድን። ዝቀረበ ቤት መራኽብቲ ስራሕ ኣብ ሉንድ አዩ ዝርከብ።.

ኣብ ኮሙን ሰፊሕ ናይ ስፖርትን ተረፍ ግዜን ንጥፈታት ኣሎ፣ ከምኡ'ውን ኣብ ሎማን ብያሬድን ክልቲኦም ቤተ-ንባብ ይርከብ።.

ጉዕዞ ብመኪና ካብ ዝተፈላለያ ክፋላት ሎማ ኮሙን ናብ ማልሞን ሉንድን ዳርጋ 15–20 ደቒቕ አዩ። ከምኡ’ውን ብዙሕ ግዜ ኣውቶቡሳት ንዘን ከተማታት ዝኸዳ ኣለወን።.

ኣውቶቡስ፣ ባቡር፣ ነፋሪት

ሓዲሽ ከለኻ ኮሙን ብዛዕባ እተን ግባራዊያን ንኣሽቱ ክፍልታት ናይ መንበሪ ገዛ ሓገዝ ይቅርብልካ። ቅድሚ ስራሕ ምጅማርካ’ውን ንቁጠባዊ ደገፍ ክትምልክት ትኽእል አኻ። ከም ተኻራይ መጠን ብዛዕባ አዚን ካብኡ ዝተረፈ ኣንብብ፣ ንኣብነት ኣየናይ ሓገዝ ይዋሃባካ ከምኡ’ውን እንታይ ትጽቢት ከባኻ ይድለ።

ንበሪ ገዛኻ
ቁጥባን መትካል አግሪን
Länk till annan webbplats.
ደገፋትን ርክባትን

ኣብ ሎማ ኮሙን መዋኣሊ ሕጻንነት ንካብ ሓድ ዓመት ዝዕድሞም ቁልዑ ኣሎ፣ ከምኡውን መባእታዊ ቤት- ትምህርቲን ናይ ናጻ ግዜ ንጥፈታትን። ኣብ ሽወደን ግዴታ ትምህርቲ ይምልከት፣ እዚ ማለት ከኣ‏ ቁልዑ ካብ ዕድመ 7–16 ግድን -ትምህርቲክኻዱ ኣሎዎም። መባእታዊ ቤት- ትምህርቲ ብናጻ እዩ። ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲን ዩኒቨርሲቲ-ላዕለዋይ ቤት ትምህርቲን‏ ኣብ ካልኡት ኣብ ቀረባ‏ ዝሎውን ኮሙናት ይርከብ።

ትምህርቲን ክንክን ቂልዑን

ሓላፍነት ናይ ካብ ሓኪምን ሓኪም ስኒ ንዝዋሃባካ ክንክን ሕማም፣ ምምሕዳር ኣወረዳዊ ባይቶ‏ ዞባ ስኮነ፣ ውይንድማ ብሕታዊያን ትካላት እዩም ዝሽከሙዎ። ኣብ ሎማን ብያረድን ዝተፈላለየ ማእከላዊ ክንክን ጥዕናን መቐበሊ ሓኪም ስኒን ኣሎ ኣብኡ ቆጽራ ክትሕዝ ትኽእል አኻ። ቤት ሕክምና ኣብ ማልሞን ሉንድን እዩ ዝርኸብ። ኩሉ ግዜ‏ ቅልጡፍ ንቍጽጽር ሕማም ፣ምብራዕ፣ ውይንድማ ብሃንደበት ዝጓጥም ሓደጋ ናይ ህይወትን ጥዕናን‏ እንተሎ ብ 112 ናብ ህጹጽ ማእከላይ መደበር ደውል።

ክንክንን ጥዕናን

  • Ingen giltig användare vald.

Sidansvarig: Lucia Prieto De La Fuente

Senast uppdaterad: