ቋንቋ ሽወደን ንመጻእተኛታት

ስልጠና ቋንቋ ሽወደን ንመጻእቲ (SFI) ካብቲ ከም ነባሪ ኣብዚ ኮሙን ዝተመዝገብካሉ እዋንት ትጅምር።

እንድሕር ናይ ቤት ጽሕፈት መራኸብቲ ስራሕ መደብ ምትካል እግሪ ተኸቲልካ ናብ SFI ከተመልክት ክሕጉዙኻ`ዮም። ብዘይብኡ ውን ናይ ሓገዝ ዝርርብ ኣብ ቤት ምምሕዳር ዕድል ይዋሃበካ፡ ብዛዕባ ትምህርትን ምምዝዛም ምምልካት SFIን መድብ ተውጽእ። ትምህርቲ ዓመት ሙሉእ ኮይኑ ምስ ዓቕምኻን ደረጃ ክእለት ቋንቋኻን ተዛሚዱ ዝዳለውዩ። ክፍሊት መደብ ምትካል እግሪ ንኽትወስድ ኣብ ናይ ትምህርቲ SFI ክፍለ ግዜ ክትርከብ ከምዘለካ ዘክር። ንስኻ ወይ ቆልዓኻ እንተ ሓሚሙ ነቶም ኣብ SFI ዘለዉ ኣካላት ክትዛራረቦም ኣለካ፡ እንተዘየለ እተን ዘብኮርካየን መዓልታት ክፍሊት ኣይውሃበካን`ዩ።

እንድሕር ኣብ ቤት-ጽሕፈት መራኸብቲ ስራሕ እትው ዘይኮንካ ግን ካኣ SFI ክትማሃር እንተ ደሊኻ ናብቲ ስልጠና ከተመልክት ንማእከል ትምህርቲ ማለት lärcentrum ኣብ ሉማ ብመገድኻ ተዘራረብ። ምስ ኤሊን ብዮርን, ብቴሌፎን 040-641 13 35 / 0733-41 13 35 ወይ ማቲልዳ ሎት, ብቴሌፎን 0733-41 13 41 ተዘራረብ።

ኣብዚ SFI ክትማሃር ትኽእል:

SFI ኣብ ኮምቩክስ ሉንድ፡ ኮምቩክስ ቡርሎቭን ፎልክ-ሆግስኩላን ሂቪላን ፊልያል ኣብ ፎልክ-ዩኒቨርሲቲ ኣብ ኦካርፕ ዝርከብ ይካየድ።

  • Ingen giltig användare vald.

Sidansvarig: Lucia Prieto De La Fuente

Senast uppdaterad: