ማእከል ኮሚቴ ሓገዝ ትምህርቲ

ኣብ ሽወደን ኩሎም ኣብ ዩኒቨርሲቲ ይኹን ላዕለዋይ ትምህርቲ ክማሃሩ ዝደልዩ ክማሃሩ ክኽእሉ ኣለዎም። አቲ ብዛዕባ እዚ ዝውስንን ዝኸፍልን ማሕበር ማእከል ኮሚቴ ሓገዝ ትምህርቲ፡ጭጽኝ`ዩ። ማለት ቁጠባዊ ሓገዝን ልቓሕን ነቶም ኣብ ሽወደን ይኹን ኣብ ደገ ክማሃሩ ዝደልዩ። CSN ነቲ ልቓሕ ምምላስ ውን ይከታተሉ።

ንስኻ ሓድሽ መጻኢ ውን ንገዛኻ ዝኸውን ንብረት ከም ፈርኒቸር መሳልን ካሊእን ንኽትዕድግ፡ ካብ ጭጽኝ ልቓሕ ክትወስድ ትኽእል ኢኻ። ንዓኻ ኣብ ሽወድን ሓድሽ ዝኾንካ ዝምልከት ኮይኑ ልቓሕ መግዝኢ ኣቕሑ ገዛ ካኣ ይባሃል፡ ምስኡ ውን እቲ መደብ ምትካል እግሪ ናትካ ከምዘለዎ ይቕጽል። መስል ሓግዝ ትምህርቲ ውን ኣለካ። ሓገዝ ትምህርቲ ቁጠባዊ ኮይኑ ድጎማን ልቓሕን ትምህርቲ የጠቓልል።

ካብቲ ልቓሕ መግዝኢ ንብረት ገዛ ዝውሰድካሉ ግዜ ክልተ ዓመት ምስ ኮነ ልቓሕካ ምስ ውለዱ ጌርካ ክትመልሶ ትጅምር። ቅድሚ ልቓሕካ ክትከፍል ምጅማርካ መዓስ ክትከፍል ክትጅምር ከም ዘለካ ዝሕብር ካብ CSN ደብዳበ ከመጸካ`ዩ። ድሕሪኡ CSN ደብዳብ ዕዳ ይሰዱልካ ኣብ ወርሒ ክንደይ ክትከፍል ከም ዘለካ ዝነግር። ዕዳ መጺካ ግን ካኣ ክትክፍል ዘይትኽእል እንድሕር ኮንካ ናብ CSN ናይ ምኽፋል ግዜ ክናዋሓልካ ከተምልክት ኣለካ። ምድንጓይ ወይ ካኣ ምስሓብ ተባሂሉ ይጽዋዕ።

  • Ingen giltig användare vald.

Sidansvarig: Lucia Prieto De La Fuente

Senast uppdaterad: