ቆጠባን ምትካል እግርን

ሓደ መንበሪ ፍቓድ ዘለዎ ሰብ ክሰርሕ ተኽእሎ ኣለዎ፥ እቲ ዕላማ ኻኣ ኩሉ ሰብ ነብሱ ባዕሉ ክኽእል`ዩ። ከም ሓደሽ መጻኢ ናብ ሽወደን ስራሕ ቅድሚ ምርካብካ ቁጠባዊ ሓገዝ ክትረክብ መሰል ኣለካ እንድሕር ኣብ ብቤት ጽሕፈት መራኸብቲ ስራሕ ዝተዳለወ ንጥፈታት ትሳተፍ ኮንካ። ክፍሊት ምትካል እግሪ ካኣ ይባሃል።

ከም ሓድሽ መጻእን ስራሕ ኣልቦን መጠን ቤት ጽሕፈት መራኸቢ ስራሕ እቲ ቀዳመይ ስራሕ ንኽትረክብ ሓገዝ ዥበካ መንግስታዊ ትካል`ዩ። ናብዚ ምስ መጻኻ ተሓጋጋዚ ምትካል እግሪ ናብ ቤት ጽሕፈት መራኸቢ ስራሕ ከተመልክት ይሕግዘካ።.

ብድሕሪኡ ቤት ጽሕፈት መራኸቢ ስራሕ ምሳኻ ኮይኑ ነተን ቀዳሞት ክልተ ዓመታት ኣብዚ ትቕመጠን መደብ የውጽእ፡ እቲ መደብ ምትካል እግሪ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ማለት`ዩ። እተን ክልተ ዓመታት ምስ ሓለፋ ሰሪሕካ ነብስኻ ክትክእል ይግባኣካ። ኣብዚ ውሽጢ ክልተ ዓመት እንድሕር ስራሕ ረኺብካ ግን ነቲ መደብ ምትካል እግሪ ምኽታል ኣየድልየካን`ዩ። ኩሉ ግዜ እቲ ዕላማ ነቲ መድብ ንባዕሉ ዘይኮነስ ንስራሕ`ዩ።

ዝቐረበ ቤት ጽሕፈት መራኸቢ ስራሓት ኣብ ሉንድ ይርከብ፡ መዓልታዊ ናብኡ ዝወስዳኻ ኣውቶቡሳት ኣለዋ፡ እቲ ጉዕዞ ካኣ ኣስታት 30 ደቓይቕ ይወስድ።
ኣውቶቡስ፡ ባቡርን ጉዕዞን

ምስ ቁልዑ ኣብ ገዛ ? መደብ መትከሊ፡እግሪ ከይ ስሕተካ

ኣብ ገዛ ንኣሽቱ‏ ቁልዑ ኣሎዎካ ዶ? ቤት ጽሕፈት መራኸብቲ ስራሕ ደገፍ ንናይ መደብ መትከሊ፡እግሪ መፈለምታ ክልተ ዓማት ጥራሕ እዩም ዝዕድሙካ።. ወለድ ዕርፍቲ ወለድ ወሲዶም ምስ ቆልዑቶም ገዛ ንምጽናሕ መሰል ኣሎዎም፣ ስለዚ ክልተኦም ወለድ ንዚ መሰልዚ ምፍላጦም ጽቡቕ እዩ፡ ንኽትማሃርን ስራሕ ክትደልን ምእንቲ ሓገዝ ይግበረልካ። ኣብ ሽወደን ክልቴኦም ወለዲ ንውላዶም ንምእላይ ዕረፍቲ ክወስዱ ነተባብዕ።

ህጻናት ካብ ሓደ ዓመት ኣትሒዞም ንመዋእለ ህጻናት ክወፍሩ ይፍቀዶም፡ ከም ወላዲ ንኽትመሃርን ስራሕ ክትደልን ግዜ መታን ክትረክብ።

መዋእለ ህጻናትa

ኣብቲ መደብ መትካል እግሪ ትኽተለሉ እዋን ካብ ፎርሼክሪንካሳ ወይ ድማ ውሕስነት ካሳ ክፍሊት ክትወስድ መሰል ኣለካ፡ ክፍሊት ምትካል እግሪ ካኣ ተባሂሉ ይጽዋዕ። ሽዑ ግን ነቲ መደብ ክትክተልን ኣብ ዝተፈላለዩ ንጥፈታት ክትሳተፍን ግዴታኻ`ዩ፡ ንኣብነት ብመገዲ ቋንቋ ሽወደን ንስደተኛን ማለት (SFI) ከምኡ`ውን ስልጠና ኣብ ማሕበራዊ ትምህርቲ (SO)ን ልምምድ ስራሕ ምግባርን። እቲ ኮሙን ወይ ውን ምምሕዳር ከባቢ ን ቋንቋ ሽወደን ንስደተኛታትን ማሕበራዊ ትምህርትን ሓላፍነት ይወስድ።.

እቶም ዝበዘሑ ዕዳታት ብፋክቱራ`ዮም ዝኽፈሉ። መብዛሕትኡ እዋን ብመግዲ ዌብሳይት ናይ ባንክኻ ወይ ውን ኣፕ ጌርካ`ዩ ዝኽፈል። ከመይ ከም ዝግበር ክትማሃር እንተ ደሊኻ ምስ ናይ ምትካል እግሪ ተሓጋጋዚኻ ተዛረብ።

ኣብ ቦታ ተረኺብካ ኣብቲ ንጥፈታት መደብ ምትካል እግሪ ክትሳተፍ ኣገዳሲ`ዩ። ክትመጽእ ዘይትኽእለሉ መዓልቲ እንተ ዳኣ ኮይኑ ንኣብነት ቆልዓኻ ወይ ንባዕልኻ እንተ ሓሚምካ፡ ነታ ተብኩራ ዘልኻ ንጥፈት ተሓታቲ ዝኾነ ሰብ ክትረኽቦ ኣለካ፡ ንኣብነት ጽፍዒ፡ ጽዖ ወይ ካኣ ቦታ ልምምድ ስራሕ። ደዊልካ ስለምንታይ ከምዘብኮርካ እንተ ዘይሓቢርካ ናይተን ዘብኮርካየን መዓልታት ክፍሊት ኣይወሃበካን`ዩ። አንድሕር ቆልዓ ክትከናኸን ኣብ ገዛ ሃሊኻ ካኣ ንፎርሼክሪንካሳ ከተመልክት ኣለካ። ተሓጋጋዚ መደብ ምትካል እግሪ ናትካ ከመይ ከምትገብር ከርእየካ`ዩ።

ከም ሓድሽ መጻኢ መጠን ስራሕ ንኽትረክብ ቡዙሕ ተኽእሎታት ኣለካ። ሓታቲ ዑቅባ ከለኻ ስራሕ ክትረክብ እንተ ደሊኻ ዓጥ፡ዑኝዽ የድልየካ፡ ማለት ሰነድ ፍቓድ ስራሕ ከምዘየድልየካ ዘረኢ። ከም ሓታቲ ዑቕባ ስራሕ ክትሰርሕ እንተ ደሊኻ ኩሉ ግዜ ምስ ቤት ጽሕፈት ሚግሬሽን ተዛራራብ።

ኣብ ምምሕዳር ከባቢ ሉማ “ምትካል እግሪ ብመልክዕ ምጽማድ ኣብ ንጥፈት” ዝባሃል ኣሎ፡ ከም ሓድሽ መጻኢ ናብ ስራሕ ዓለም ቀልጢፍካ ንኽትኣቱ ዝሕግዝ። ብንእስ ዝበለ ፕሮጀክት ዝኸይድ ኮይኑ ብፊንሳም ዝባሃል ትካል ካኣ ይካየድ። ካብ ዝተፈላለዩ መንግስታውያን ትካላት ሓገዝ ንኽትረክብ ይሰርሑ።

ኣብ ውሽጢ ክልተ ወርሒ ናብዚ ምስ መጻኻ “ምትካል እግሪ ብመልክዕ ምጽማድ ኣብ ንጥፈት” ክዛራረቡኻዮም። ምስታፍ ወለንታዊ`ዩ ግን ናይ ስራሕ ምርካብ ዕድላትካ ተዕብየሉ ጽቡቕ መገዲ`ዩ፡ ነቲ ሕብረተሰብ ክትላለዮ ከምኡ ውን ቋንቋ ሽወደን ክተማዕብል።

እንድሕር ኣብ ምምሕዳር ከባቢ ሉማ እንዳ ተቐመጥካ ነብስኻ ባዕልኻ ዘይትኽእል ኮንካ፡ ከምኡ ውን ካሊእ ቂጠባዊ ቀረብ እንተ ዘይብልካ፡ ብመልክዕ ቁጠባዊ ሓገዝ ካብ ኮሙን ዝበሃል ቁጠባዊ ሓገዝ ይግበረልካ። ነዚ ምምልካት ማለት መሰልን ግዴታን`ዩ።

ቅድሚ ቁጠባዊ ሓገዝ ምምልካትካ ነብስኻ ንኽትክእል ዝካኣለካ ዘበለ ኩሉ ጌርካ ክትከውን ኣለካ። ንኣብነት ንጡፍ ደላዪ ስራሕ ጸኒሕካ ክትከውን ኣለካ። ኩሎም እቶም ብመኽን ያት ስራሕ ኣልቦ እዚ ሓገዝ እዚ ዝዋሃቦም ሰባት ኣብ ቤት ጽሕፈት መራኸቢ ስራሕ ምዝጉባት ክኾኑ ኣለዎም፡ ከምኡ ውን ስራሕ ንኽሰርሑን ነቲ ዝቕረበሎም ስልጠናታትን ንጥፈታትን ክወስዱ ድልዋት ክኾኑ ኣለዎም። ንኸተመልክት ሓገዝ እንተ ደሊኻ ምስ ሉማ ኮሙን ወይ ናትካ ተሓጋጋዚ መደብ ምትካል እግሪ ተዘራረብ ።

እቲ ክትሓስበሉ ዝግባኣካ ሕቶ ናይ ቆጥባዊ ሓገዝ ካብ ሓደ ሰብ ናብ ካልእ ይፈኣለ እዩ፣ ስለዚ ጸሓፊ ማሕበራዊ ቤት ጽሕፈት ዝሓትለን ኩነታት ብዘተኻእለ መጠን ኣቅሪብካ ክትጻንሕ ይግባእ።

  • Ingen giltig användare vald.

Sidansvarig: Lucia Prieto De La Fuente

Senast uppdaterad: