ገዛኻ

ከም ሓዲሽ መጻኢ ኣብ ሽወደን ናብ ሎማ ኮሙን ትመጽእ ከለኻ፣ ካብ ኮሙን ሓገዝ ናይ መንበሪ ገዛ ይዋሃበካ፣ እቲ ሓሳብ ግን ቁሩብ ጸኒሕ ናይ ገዛእ ርእስኻ ገዛ ክትረክብ አዩ፣ ስለዚብቕልጡፍ ኣብ ሪጋ ናይ መንበሪ ገዛ መስራዕካብጣዕሚ ደስ ዝበለ እዩ።

ዘኣተኻዮ ገዛኻ ጽቡቕ ዝተሰማሚዑካ ክኸውን ተስፋ አንዳ ገበርና፣ ሓዲሽ ህይውት ክትግምር ድማ ንምኔ። ኣብዚ ገዛ’ዚ ክትነብር አንተ ዘይ ከእልካ ውይ እንተ ዘይ ደለኻ ግዴታ ናይ ምድላይ ሓዲሽ መንበሪ ገዛ ሓላፍነትካ እዩ። ኣብ ሪጋ ናይ መንበሪ ገዛ‏ መስራዕካ ‏ብጣዕሚ ዓቢ ኣገዳስነት ዘሎዎ እዩ ስለ’ዚ ብቕልጡፍ ኣብ ሪጋ ናይ ኮሙን ወይ ባሕታውያን ወነንቲ ህንጻ ተመዝገብ፣ ብዞሕ ግዜ ዝወስድ ሪጋ ድማ እዩ።

ቡፕላትስ ሲድ ኣብነት ብኮሙን ዝውነኖ ህንጽታት ሪጋ እትሕዝሎም እዩ። ተቖጻጻሪ መትከል አግሪ ብዛዕባ’ዚ ክትሓጋገዘካ ይኸል እዩ።

ፑፕላት ስሲድ Länk till annan webbplats, öppnas i nytt fönster.

መቐመጢ ገዛ‏ ውይ ገዛ ክትገዝእ አንት ደለኻ ምስ ደላላይ ክትራኸብ ትክእል እኻ። ኣብ ምርብብ አንተርነት ኣብ መላእ ሽወደን ምሳኻ ዘሎ ገዛውት ክትርኢ ትኽእል እኻ።

ሄምነት Länk till annan webbplats, öppnas i nytt fönster.

ሓገዝ ንኣርጋውያን ወይ ምስ ስንኩልናኦም ዝክነብሩ ክትረኽብ ‏ትኽእል እኻ ግን‏ ብፍላይ ኣብ መርብብ አንተርነት ፍሉይ ገዛውት ንቶም ኣብ ገዛ ክቕመጡ ዘይ ኽእሎ ኣሎ።

ኣቅሑ ገዛኻ

መዝነት‏ ናይ ምግዛእ ብኣቕሑ ገዛ ባዕልኻ አኻ ትሽከሞ፣ ግን ካብ ሎማ ኮሙን ደገፍ ክዋሃበካ ይካኣል፣ ንኣብነት ምስ ተሓጋጋዚ መደብ አግሪካ ተራኺብካ ኣብ መኽዘን ብህያብ ዝመጸ ኧቕሑ ክትርኢ ትኽእል ኢኻ። ከምኡውን ናይ ባንክ ቁጽሪ ሕሳብን መለለይ ቁጽሪን ምስ ተዋሃበካ ካብ ማእከላይ ኮመቴ ደገይ ትምህርቲ (CSN) ገንዘብ ልቓሕ‏ ወሲድካ እቲ ንገዛኻ ኣገዳሲ ዝኾነ ነገር ንኣብነት ከም ካይላ‏ን ኣቕሑን ዘኣማሰለ ክትገዝእ ትኸል እኻ። አዚ ልቓሕ እዚ ግን ምስ ሓፋሻዊ ዋጋ ወለድ ዝትመልሶ ልቓሕ እዩ። ከምኡውን ትማሃር አንተደኣ ደለኻ ናይ ካብ ናይ ምህሮ ልቓሕ ክትወስድ ትክእል እኻ። ንተወሳኺ ሓበሬታ ተቆጽጻሪ መደብ መትከል አግረኻ ሕተት።
ማእከላይ ኮመቴ ደገይ ትምህርቲ

ውሕስንት ንነብስኻን ገዛኻን

ከም ተኻራዪ መጠን እቲ ተኻሪኻዮ ዘልኻ ገዛ ምስ ሓንቲ ትካል መድሕን ኣባይቲ እትው ክኸውን ሓላፍነትካ`ዩ። መድሕን ገዛ፤ ነዓኻ፣ ንስድራኻ፣ ነገዛኻን ንንብረትካን ቁጠባዊ ውሕስነት`ዩ። ገለ ኣብ ቤትካ እንተ ተሰሪቑ፤ ትካል መድሕን ኣብይቲ ናትካ ናይ ሕጋውን፤ ተሓታትነታውንን ዘረፋን ውሕስነት ይህበካ። መብዛሕትኦም ትካላት መድሕን ኣባይቲ ናይ መገሻን ከምኡ`ውን ከጓንፉ ዝኽእሉ ናይ ሕጊ ምስሕሓባትን ውሕስነት ዘማለኡ`ዮም።

ዝተፈላለየ ውሕስነት ዘአንግዳ ቡዙሓት ትካላት ኣለዋ። ንዓኻ ዝኾነካ ንኽትረክብ ዋጋን ቅጥዕታትን ከተዋዳድር ትኽእል ኢኻ። ብዝተኻእለ መጠን ቀልጢፍካ ውዕል መድሕን ገዛኻ ክትፈራረም ጽቡቕ`ዩ፥ እንተ ተኻኢሉ ኣብ ቀዳመይቲ ሰሙን ናይቲ ሓድሽ ትኣትዎ ገዛኻ። ንናይ መትከል እግሪ ተሓጋጋዚኻ ሓገዝ ሕተት።

ከም ተኸራዪ መጠን ክትሓስቦ ኣገዳሲ ዝኾነ

ከም ተኻረይቲ መጠን ክትሓስብዎ ዘለኩም ገለ ኣገደስቲ ነገራት ኣለዉ። ንኣብነት ቤት ሕጽቦ ብከመይ ይሰርሕ፥ በብዓይነቱ ምምማይ ጓሓፍ መታን ዳግመ ክስራሕን ኣብ ውሽጢ ገዛ ምትካኽ ከምዘይፍቀድን። ብፍላይ ነታ ትነብረላ መንበሪ ዝምልከቱ ሕግታት ክትፈልጥን ክትክተሎምን ሕሰብ ብዝበልጸ ኣገባብ ካኣ ተኸናኸኖም። እቶም ሕግታት እንተ ዘይተኸቲሎም ኣካራዪ ውዕሉ ከኽትም ይኽእል። ኣካራዪ ውዕሉ ከኽትመሉ ዘኽእሎ ጠንቅታት ኣብቲ ናይ ውዕል ክራይ ወርቐት ከተንበቦ ትኽእል ኢኻ።

ምምልካት ጸገም/ብልሽውና

እንድሕር ዝኾነ ጸገም ኣጓኒፉ ወይ ኣብ ገዛኻ ዝተበላሸወ ነገር እንተ ዳኣ ሃልዩ ናብ ምምሕዳር ከባቢ ሎማ ወይ ውን ሎማ ኮሙን ብ 040-641 10 00 ከተመልክት ትኽእል ወይ ውን ናብ info@lomma.se. ምሳና ክትራ ኸብ ከለኻ ኩሉ ግዜ ቁጽሪ ገዛኻ ሃብ። እንድሕር ህጹጽ ጸገም ቤት ምምሕዳር ተዓጽዩ ከሎ ኮይኑ፥ ናብነት ምልሗኽ መስመር ማይ ወይ ዝተበላሸወ ፍርጅ ብ 040-676 93 73 ደውል።

ምኽታም ውዕል መንበሪ ገዛ

ውዕል ክራይ ገዛኻ ክትዓጹ ከለኻ ንኣካራዪኻ ብጽሑፍ ከተቕርበሉ ኣለካ። ግዜ መዕጸዊ ውዕል ሰለስተ ኣዋርሕ`ዩ።

  • Ingen giltig användare vald.

Sidansvarig: Lucia Prieto De La Fuente

Senast uppdaterad: