ትምህርትን ክንክን ህጻናትን

ከም ሓድሽ መጻኢ ናብ ሽወደን መጠን ሓበሬታ ብዛዕባ ትምህርትን ክንክን ህጻናትን ኣብ ሉማ ኮሙን ኣብዚ ክትረክብ ትኽእል። ኣብዚ ምምሕዳር ከባቢዚ መዋእለ ህጻናትን መባእታ ትምህርትን ኣሎ። ኣብ ቀረባ ካኣ ትምህርቲ ካልኣይ ደርጃን ዩኒቨርሲቲን ላዕለዋይ ደረጃን ትምህርትን ትረክብ።

ኣብ ሽወደን እቲ ዝሰርሕ ኣስታት ሚእታዊ ካብ ዶሞዙ ንግብሪ ይኽፍል። እዚ ግብሪ እዚ ዩ ካኣ ምስ ካሊእ ሓዊስካ ትምህርቲ ካብ ምባእታ ክሳብ ዩኒቨርሲቲ ብናጻ ዝገብሮ።

ኣብ ምምሕዳር ከባቢ ሉማ ምስ ናይ ናጻ ግዜ ንጥፍታት፡ መዋእለ ህጻናትን መባእታ ቤት ትምህርትን ኣብ ሉማ፡ ብዬሬድን ቦርገቢን ኣለዉ።

መዋእለ ህጻናት ንህጻናት ፩፡፮ ዓመት ኣሎ፡ ወለንታዊ`ዩ ግን ካኣ ውላድካ ቋንቋ ሽወደን ብኣግኡ ከመሃረሉ ዝኽእል ጽቡቕ መገዲ`ዩ። ውላድካ መዋእለ ህጻናት ንክኸይድ ዝተወሰነ ክፍሊት ትኸፍል፡ ዓቐ ክፍሊት ካኣ ብውልቂ´ዩ ዝውሰን፡ ከም ወላዲ ወይ ሙግዚ መጠን እቲ እትኸፍሎ ኣብ ኣታዊኻ ዝተሞርኮሰ`ዩ።

ኣብቲ መዋእለ ህጻናት ምሳሕን ጠዓሞትን ንህጻናት ዝተማለአ እዩ። ፓንፐር ዝጥቀም ቆልዓ እንተ ዳኣ ሃሊካ ኣብቲ መዋእለ ህጻናት ፓንፐር ክህልዎ ናትካ ሓላፍነት`ዩ። ንሓደ ካብ ደቅኻ ክትኣሊ እንድሕር ኣብ ዕረፍቲ ኣለኻ ኮንካ እቶም ካልኦት ኣሕዋት 25 ሰዓታት ኣብ ሰሙን ካብ ሶኒ ክሳብ ዓርቢ ካብ ሰዓት 9.00–14.00 ዘሎ ግዜ ክመሃሩ መሰል ኣለዎም። ካብ ዝኾነ ክፍሊት ካኣ ናጻዩ።

ክንደይ ሰዓታት ኣብ ሰሙን ቆልዑትካ ኣብ መዋእለ ህጻናት ኵዕሉ ከም ዝግቦኦም ብመሰረት ኩነታት ስራሕካ ወይ ትምህርትኻ ዝውሰን ኮይኑ፡ ምስ ሰራሕተኛታት እቲ መዋእለ ህጻናት ኮንካ ካኣ ይውሰን።

ናዓኻ ንኣብ ገዛ ምስ ህጻን ትውዕል ርሑው መዋእለ ህጻናት ዝበሃል ኣሎ። ከም ወላዲ ኩሉ ሳዕ ምስ ውላድካ ኮንካ ሓላፍነት ጽከም፡ ካልኦት ስድራቤታትን ህጻናትንንኽትራኸብ ግን ጽቡቕ መገዲ`ዩ፡ እቶም ህጻናት ብሓባር ክጻወቱ ካኣ ጽቡቕ ኣጋጣሚ`ዩ። ብናጻ ኮይኑ ኣቐዲምካ ምምልካት`ውን ኣየድልዮን`ዩ።

 

ርሑው መዋእለ ህጻናት ኣብ ብዬርድ (Bjärred)

ኣድራሻ: Vikingavägen, vid Bjärehovshallen, i Bjärred.

ኡዋናት ስራሕ

ሰሰሉስ ካብ ሰዓት. 09.00–13.00
ረረቡዕ ካብ ሰዓት. 09.00–12.30

 

ርሑው መዋእለ ህጻናት ኣብ ሉማ

ኣድራሻ: Ringvägen 11c, i Lomma.

ኡዋናት ስራሕ

ረረቡዕ ካብ ሰዓት.13.00–16.00
ዓዓርቢ ካብ ሰዓት. 08.30–13.00

ኩሎም ካብ ፮፡፩፭ ዓመት ዝዕድሜኦም ህጻናት ብዘይዝኾነ ክፍሊት ንመባእታ ትምህርቲ ይመላለሱ፡ ትምህርታዊ ግዴታ ክኣ ተባሂሉ ይጽዋዕ። ህጻናት ንትምህርቶም ይወፍሩ ምህላዎም ምክትታል ሓላፍነት ወለዲ`ዩ። ኣብ ከባቢ ምምሕዳር ሉማ ዝተፈላለያ ቤት ትምህርታት ኣለዋ። ንኹሎም ኣብ መባእታ ቤት ትምህርቲ ዝማሃሩ ህጻናት ምሳሕ ብናጻ`ዩ።

ኣብ መባእታ ቤት ትምህርቲ ካሳብ ሻድሻይ ዓመተ ትምህርቲ ዘለዉ ተማሃሮ ንግሆ ቅድሚ ትምህርትን ከምኡ`ውን ምሸት ድሕሪ ትምህርቲ ኣብ ናይ ናጻ ግዜ ንጥፈታት ክኸዱ ተኽእሎ ኣሎ። ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰሙን ግዜ ተኸታተል። ንኣታዊ ዘለዎ ዋጋ ንጥፈታት ናጻ ግዜ ዝለዓለ ኣብ 908 ክሮነር ኣብ ወርሒ`ዩ። ንዓኻ ከምይ`ዩ ዝምልከተካ ንኽትፈልጥ ምስ ተሓጋጋዚ መደብ ምትካል እግሪ ናትካ ተዘራረብ።

ትምህርቲ ካልኣይ ደረጃ መብዛሕትኦም ተማሃሮ ዝኸድዎ ድሕሪ መባእታ ትምህርቲ ዘሎ ናይ ሰለስተ ዓመት ትምህርቲ`ዩ። መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ 15 ወይ 16 ዕድመ`ዩ ዝጅመር። ትምህርቲ ካልኣይ ደርጃ ውን ብናጻ`ዩ ግን ክኣ ወለንታዊ`ዩ። መብዛሕትኦም መንእሰያት ኣብ ሽወደን ንመጻኢኦም ክዳለዉን ዕድላቶም ኣብ ምርካብ ስራሕ ከዕብዩን ትምህርቲ ካልኣይ ደረጃ ይማሃሩ። ነቲ ትምህርቲ ካልኣይ ደረጃ ክማሃር ዝመረጸ ካኣ ኣብ ትምህርቲ ናይ ምርካብ ግዴታ ኣለዎ። እዚ ማለት እቲ ተማሃራይ ኣብ ናይ ትምህርቲ ክፍለ ግዝያት ክርከብ ኣለዎ።

ምምሕዳር ከባቢ ሉማ ናይ ባዕላ ቤት ትምህርቲ ካልኣይ ደረጃ የብላን፡ መንእሰያት ግን ኣብተን መሳርሕትና ምምሕዳር ከባቢታት ኣብ ስኮነን ቬስትራ ብሌኪንገን ዘለዋ ዝደለይዋ ቤት ትምህርቲ ካልኣይ ደረጃ ከመልክቱ ይኽእሉ`ዮም። ቡዙሓት ኣብ ጥቓ ዘለዋ ክልተ ዓበይቲ ከተማታት ማልሞን ሉንድን ዝርከባ ቤት ትምህርትታት ካልኣይ ደረጃ የመልክቱ።

ኣኼባ። ከም ወላዲ መጠን ቀጻሊ መዋእለ ህጻናትን ቤት ትምህርትን ንናይ ወለዲ ኣኼባ ክዕድሙኻ`ዮም። ኣብኡ መምሃራንን ካልኦት ስድራቤታትን ትረክብ ዘሎ ሓበሬታታት ክትካፈል ካኣ ጽቡቕ`ዩ። ንናይ ውላድካ ናይ ምዕባለ ዝርርብ ውን ክትዕደም ኢኻ፡ ብዛዕባ ውላድካ ኣብ ትምህርቲ ዘርእዮ ዘሎ ምዕባሌታት፡ መምሃራን ንናይ ውላድካ ምዕባለ ኣብ ቤት ትምህርቲ ብኸመይ ይገልጽዎ ካኣ ትፈልጥ። ንኸምዚ ዓይነት ኣኼባ ብሓባር ኮንኩም ትውስንዎ።

ክዳውንቲ። ቆልዓኻ ኣብ ትምህርቲ ወይ መዋእለ ህጻናት ኣብ ዥልወሉ ግዜ ምስቲ ኩነታት ኣየር ዝሰማማዕ ክዳን ይኹን ሳእኒ ክህልዎ ናትካ ሓልፍነት ምዃኑ ዘክር።

ኣብ ከባቢኻ ኣብ ሉንድ ዩኒቨርሲቲ፡ ቤት ትምህርቲ ላዕለዋይ ደረጃ ማልሞ ወይ ዩኒቨርሲቲ ክፍሊ ሕርሻ ኣብ ኣልናርፕ (ኣብ ምምሕዳር ከባቢ ሉማ) ትምህርቲ ንኽትቅጽል ተኽእሎ ኣሎ። ብዘይካ ንመጻሕፍትኻ ተውጸኦ ወጻኢታት እንተ ዘይኮይኑ ዩኒቨርሲትን ላዕለዋይ ደራጃ ትምህርትን ውን ብናጻ`ዩ።

  • Ingen giltig användare vald.

Sidansvarig: Lucia Prieto De La Fuente

Senast uppdaterad: