ጥዕናን ክንክንን

ማእከል ጥዕና፡ ሕክምና ስኒ፡ ክፍሊ መወልዳንን ማእከል ጥዕና ህጻናትን ገለ ኣብነታት ካብቶም ኣብ ምምሕዳር ከባቢ ሉማ ዘለዉ ማእከል ጥዕና`ዮም። ኣብ ማልሞን ሉንድን ሆስፒታል ኣሎ። እዞም ኣብ ታሕቲ ዘለዉ ንጥፈታት ጥዕና ብምምሕዳር ከባቢ ሉማ ዘይኮነስ ብዞባ ስኮነ`ዮም ዝምሕደሩ።

ህጹጽን ቁልጡፍ ረድኤት ዘድልዮን እንተ ኮይኑ ኩሉ ግዜ 112 ደውል። ምስቲ ዘጓነፈ ተራእዩ ናብ ኣምቡላንስ፡ መጥፈእቲ ሓዊ ወይ ፖሊስ ትመሓላለፍ።

ንስኻ ወይ ካሊእ ቤተሰብ ተጸሊእዎ`ሞ ናይ ዝተፈላለዩ ሕማማት ምኽሪ እንተ ደሊኻ 1177 ደውል። ኣብኡ ካብ ነርሳት ምኽሪ ትረክብ። 1177 24-ሰዓታት ክፉት ኮይኑ ብዝተፈላለየ ቋንቋታት ሓገዝ ክትረክብ ትኽእል። ቅድም ገምጋም ንምግባር 1177 ትሓትት ድሕሪ ዝግበር ገምጋም ናብ ማእከል ጥዕና ኣድላዪ እንተ ኮይኑ ካኣ ናብ ህጹጽ ኣገልግሎት ትስደድ። ኣስጋእን ህጽጹን ሕማም ምስ ዝኸውን፡ ሂወት ሰብ ኣብ ሓደጋ ምስ ዝህሉ ግን ኣምቡላንስ ንምጽዋዕ ብቐትታ ናብ 1177 ክትድውል ኣለካ።

ህጹጽ ሓገዝን ሕክምናን ምስ ዘድልየካ ናብ ህጹጽ ኣገልግሎት ትኸይድ። ኣድላይነት ሕክምና ዓብን ከቢድን ክኸውን ኣለዎ። ዝቐረበ መቐበሊ ህጹጽ ሕክምና ኣብ ሆስፒታል ዩኒቨርሲቲ ሉንድ እዩ ዘሎ።


ኣብ ምምሕዳር ከባቢ ሉማ ሰለስተ ማእከል ጥዕናን ሰለስተ ሕክምና ስንን ኣለዉ። ኣበይናይ ክትሕከም ትደሊ ባዕልኻ ክትመርጽ ትኽእል ኢኻ፡ ምምራጽ ሕክምና ተባሂሉ ካኣ ይጽዋዕ። ኣብቲ ትመርጾ ማእከል ጥዕና ዝርከብ ፎርም ብምምጻእ ነቲ ቅጥዒ መሊእካ ነቲ ዝደልኻዮ ማእከል ጥዕና ክትመርጽ ትኽእል። ብድሕሪኡ ዝኾነ ሓኪም ወይ ካኣ ሓኪም ስኒ ንምርካብ ኣቐዲምካ ግዜ ክትሕዝ ኣለካ።

ኣብ ማእከል ጥዕና ኣብ ትበጽሓሉ ግዜ ብካርድ ባንክኻ ወይ ካኣ ፋክቱራ ናብ ኣድራሻኻ ብምልኣኽ ክትከፍል ትኽእል። ፋክቱራ ንኽልኣኸካ ዋጋ ይውስኽ። ኣብቲ ዝሕዝካዮ ግዜ ክትምጽእ ዘይትኽእል እንተ ኮንካ ደዊልካ ሓብር፡ እንተዘይኮይኑ ወላ ዳኣ ኣይትምጻእ እንበር ነቲ ዝሓዝካዮ ግዜ ክትከፍሎ ክትግደድ ኢኻ።

ማእከል ጥዕና ይኹን ሓኪም ስኒ ክሕግዘካ ዘይክእል ጸገም እንተ ሃልይካ ናብ ሆስፒታል ክትመሓላለፍ ኢኻ። ምስ ሓኪም ደቂ ኣንስትዮ ምርኻብ ምስ ዘድልየካ ወይ ዘድልየኪ ካኣ ማእከል ማእከል ጥዕና ክተሓጋገዙኻ/ኺ`ዮም።

ማእከል-ጥዕና

ሓኪም ስኒ

ኣድለይቲ መሃኒታት ብሓኪምካ ተጻሒፎም ካብ ፈርማሲ ትወስዶም። ኣብ ሽወደን መድሃኒት ብርትዓዊ ዋጋ ዝሽየጥ ኮይኑ ብገንዘብ ግብሪ ካኣ ይምወል። ብሓኪም ዝእዘዙ መሃኒታት ህጻናት ዝኾነ ነገር ኣይክፈሎምን እዩ።

ፈርማሲ ኣብ ሉማ (Lomma)

Apotek Hjärtat

Adress: Torgstråket 16, Lomma.

Apoteket Hjärtat Länk till annan webbplats.

ፈርማሲ ኣብ ብያረድ (Bjärred)

Apoteksgruppen
Adress: Vikingavägen 1, Bjärred.

Apoteksgruppen Länk till annan webbplats.

Du som är gravid är välkommen till en barnmorskemottagning och mödravårdscentral, där man kontrollerar att du och ditt barn mår bra. Detta är kostnadsfritt. En tid efter förlossningen är du välkommen med ditt barn till Barnavårdscentralen (BVC) för stöd i din roll som förälder. Man kontrollerar även ditt barns hälsa upp till fem års ålder. Både mammor och pappor är välkomna till BVC.

ማእከል መወልዳን (ክንክን-ኣደ)

ማእከል ክንክን ህጻናት

ኩሎም ስነ፡ኣእሙራዊ ሕማቕ ዝስምዖም ናይ ሕክምና መሰል ኣለዎም። ንኣብነት ከም በዓል ጭንቅት፡ ናይ ሂወት ቅልውላው ወይ ውን ሓገዝ ዘድልዮ ሰነ፡ኣእሙራዊ ሕማም ከኸውን ይኽእልዩ። ዝርርባዊ ሓገዝ ይኹን ስነ፡ኣእሙራዊ ሕክምና ንኽትረክብ ምስ ማእከል ጥዕናኻ ተዘራረብ። ኣብ ላዕሊ ዘለዉ ናይ ማእከል ጥዕና ወብሳይታት ረኣዮም።

መቐበሊ መንእሰያት ናዓኻ ዕድሜኻ ፩፪፡፪፫ ዝኾነ`ዩ። ኣብኡ ምኽርን ሓገዝን ካብ ኣማኻሪ ክትረክብ ትኽእል፡ ጾታዊ ጥዕና ዝምልከቱ ሕቶታት ትዘራረብ፡ ናይ ጾታዊ ተመሓላለፍቲ ሕማማት መርምራ ትገብር ወይ ካኣ ቀረብ መከላኸሊ ጥንሲ ትረክብ። ኣብ መቐበሊ መንእሰያት ክትረአ ዝኾነ ክፍሊት የብሉን ኩሎም ኣብኡ ዝሰርሑ ካኣ ኣብ ትሕቲ ሕጊ ምዕቃብ ምስጢር`ዮም ዝሰርሑ። ዝቐረበ መቐበሊ መንእሰያት ኣብ ሉንድ ይርከብ።

  • Ingen giltig användare vald.

Sidansvarig: Lucia Prieto De La Fuente

Senast uppdaterad: